BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ንመስርሕ ሰላም 'ዝዓናቕፉ ዘለዉ ኣካላት' ክተሓባበሩ ኣተሓሳሲባ
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ መራሕቲ ፖለቲካን በርገሳዊ ማሕበራትን ኣብ ፖለቲካዊ ዘተ ክሳተፉን ነቲ ግጭት ብዘላቕነት ንምዕራፍ ዝተኸተመ ስምምነት ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ክትግብሩን ኣተሓሳሲቡ።
ኪነታዊ ብልሒ ንሙዚቃ ኢትዮጵያ ብኸመይ ይጸልዎ ኣሎ?
ብኪነታዊ ብልሒ (AI) ዝተሓገዙ ስራሕቲ ሙዚቃ ኣብ ዩቱብ ኣመና በዚሖም ኣለዉ። ኪነታዊ ብልሒ ንሙዚቃ ኢትዮጵያ ብኸመይ ክጸልዎ ይኽእል?
ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ወርሒ ኲናት ዓለም ክውላዕ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?
ብሓቂ ወርሒ ብዝዀነ ኣካል ትውነን ድያ? እንተዘይኮይኑ ወዲ ሰብ ብኸመይ እዩ ክማቐላ?
ጆርጅያ መሎንን ትራምፕን፡ ንምዕራዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ዘሎ ቅሉዕ ምስሕሓብ
ኣብ ኢጣልያ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ትራምፕን ቀዳመይቲ ምኒስተር ጆርጅያ መሎኒን ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ መሰረት ብምግባር ሓያሎ ስእላዊ-ላግጺታት (ሜመ) ክዳሎ ቀንዩ ኣሎ።
ቀጥታ, ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጽዕነት መርከብ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ኢራን ደብዳብ ፈጺማ
ኣብ ቬንዙዌላ ብዘጋጠመ ክልተ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ናብ 589 ክድይብ እንከሎ፡ 2,980 ከም ዝቖሰሉ ግዝያዊት ፕረዚደንት ደልሲ ሮድሪገዝ ገሊጻ። ኣህጉራውያን ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ምድላይ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ዝጽንበሩሉ ዘለዉ እዋን፡ እዚኦም 80 ስዊዘርላንዳውያን ረድኤት ዝህቡን ሓደ ጉጅለ ሜክሲካውያን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ይርከብዎም።
ኤርትራ፡ ሓድሽ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራት መን ምዃኑ ብወግዒ ተረጋጊጹ
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ከም ትካል ህጣሙ ካብ ዘጥፍእ ኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ኮይኑዎ ኣሎ። ንመወዳእታ ግዜ ዝተገብረ ኣኼባ ካቢነ፡ እቲ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያ ምፍራሙ፡ ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ'ዩ ነይሩ።
'ስፐርም ሲስተርስ' ካብ ሓደ ብዝተለገሰ ዘርኢ ዝተወለዳ ኣብ 20ታት ዕድሚን ኣሕዋት ምዃነን ዝፈለጣ ኣሕዋት
ናተሻ፡ ጋማን ሄለንን 'ኣቦይ እከለ'ዩ' እናበላ ነፍሲ ወከፈን ኣቡአን ከም ዝፈልጣ ኣሚነን'የን ዓብየን። ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ ዲኤንኤ መርመራ ምስ ገበራ ግን ሰለስቲአን ሓደ ሰብ ብዝልገሶ ዘርኢ ከም ዝተወለዳን 'ብኣቦ' ኣሕዋት ምዃነንን ፈሊጠን። ዛንታአን እዚ ዝስዕብ'ዩ፤
ኣብ ሓደጋ መኪና፡ ስለምንታይ ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብ60% ዝያዳ ይጕድኣ?
ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ዓይነት ምግጫው ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ካብቲ ወዲ ተባዕታይ ናይ ምጕዳእ ተኽእሎኣ ብ60 ሚእታዊት ከም ዝዓቢ እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኣረጋጊጾም። ስለዚ ተሽከርከርቲ ብዝተኻእለ መጠን ንኣካላት ደቂ ተባዕትዮ ውሑስ ኮይነን ክህነጻ እንከለዋ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ብዘይመጠን ንልዑል ሓደጋ ተቓላዕቲ ኮይነን ይቕጽላ ኣለዋ።
ኣስመራ፡ ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ወጻኢ ብሞት ወላዲት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ
ወ/ሮ ኣዳነሽ፡ ኣብ 1929 ኣብ ከተማ ኣስመራ ካብ ኣቦአን ኣቶ በርሀ ወልደሃዋርያትን ኣደአን ወይዘሮ መድህን ስእሉን ዝተወልዳ ኰይነን፡ መባእታዊ ትምህርተን ኣብ ስኳላ ቪቶርዮ እየን ከም ዝተኸታተላ ሓበሬታ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ይገልጽ።
ሓዳስ ኩዕሶ ዋንጫ ዓለም ንሓለውቲ ልዳት ተጸግሞም ኣላ ድያ?
ኣዲዳስ ነዛ ኩዕሶ ንምስራሕ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝወሰደሉ ኰይኑ፡ ኣስታት 300 ናይ ላቦራቶሪ ፈተናታት ድማ ኣካይዱ እዩ።
ትግራይ፡ እቲ ተቓውሞ ዝገጠሞ ኣዋጅ ክትግበር ትእዛዝ ተመሓላሊፉ
ኣብ ኢድ ቢቢሲ ትግርኛ ዝኣተወ፡ ብረቡዕ 17 ሰነ 2018 ዓ.ም.ግ ዝወፅአ ደብዳበ፡ እቲ ንሕገ-መንግስታዊ መትከላት ዝጥሕስ ተባሂሉ ዝንቀፍ ኣዋጅ፡ ካብቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ጀሚሩ ግብራዊ ክኸውን ከምዝተወሰነ የመልክት።
ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ባንኪ ጸባ ጡብ ኣደ ተኸፊቱ
እቲ ባንኪ ካብ ለገስቲ ኣደታት ዝተኣከበ ጸባ ብናይ ድሕንነት ኣሰራርሓታት ሓሊፉ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ኣደታቶም ጸባ ጡብ ክወስዱ ንዘይክእሉ ዕሸላት ከቕርብ እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።
ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።
ከይሓልፈኩም
ኣብ ዘይኲናቶም ተኸርዲኖም ምሩኻት ኲናት ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን
ሓደ ካብ ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተትሓዙ ምሩኻት ኲናት፡ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዚኦም ቀጻሊ እንታይ'ዩ ከጋጥሞም ዝፍለጥ ኣይኰነን።
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። "መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።
ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?
ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ቪድዮ, ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ እቲ ዝኸበረ ኲናት ኣመሪካ ድዩ?
ኣመሪካ ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ብዙሕ ወፍሪ እያ ትገብር፣ እዚ ኣብ ዓመት ሓደ ትሪልዮን ዶላር ይበጽሕ። ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ባጀት ምምሕዳር ትራምፕ ብዓቢኡ ምስ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ዝሰማማዕ እዩ።
ቪድዮ, ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ራዕዲ ንምፍጣር ብኸመይ'ያ ሕሱራት ድሮናት ትቀጥም ዘላ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍጸም ምስ ጀመረ፡ ሚሳይልን ኢንዳስትሪ ሚሳይልን ኢራን፡ "ምሉእ ብምሉእ" ክጠፍእ'ዩ፡" ኢሉ። ድሮናት ዝምልከት ግን ኣይተዛረበን። እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ትሑት ዋጋ ዘለወን ድሮናት ተጠቒማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ትንታነ
ዓባይ ብሪጣንያ ስለምንታይ'ያ መራሕታ ትቐያይር ዘላ?
እዚ ጽሑፍ ዓባይ ብሪጣንያ ስለምንታይ'ያ መራሕታ ትቐያይር ከምዘላ ዝድህስስ እዩ።
4 ዓበይቲ ሕቶታት ብዛዕባ ባዕዳውያን ፍጥረታት
እዚ ጽሑፍ፡ ምስ ግዳማውያን ህይወታት ብዝተኣሳሰር ዝለዓሉ ቀንዲ ኣርባዕተ ሕቶታት ዝድህስስ እዩ።
ካብ ብሬክሲት ክሳብ መረጻ 2027፡ ብሪጣንያን ኤውሮጳን ኣብ መስቀላዊ መንገዲ
ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝግበር ሓድሽ ዘተ ብሰንኪ እዚ ኣብ ፖለቲካ ብሪጣንያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ክዕንቀፍ ከም ዝኽእል ስግኣታት ይለዓል እዩ።
ብሪጣንያ፡ ስልጣኑ ዝለቐቐ ሰር ኬር ስታመር መን እዩ?
ሰር ኬር ወዲ 16 ዓመት እንከሎ’ዩ ናብቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ጨንፈር መንእሰያት ሌበር ፓርቲ ተጸንቢሩ። ንእተወሰነ እዋን ድማ ‘ሶሻሊስት ኦልተርናቲቭስ’ ንዝተበሃለት ኣኽራሪ ጸጋማዊት መጽሔት እውን ኣርታዒ ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።
ኢትዮጵያ፡ ሰልፊ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣብ መረጻ ምዕዋቱን ስግኣት ሓድሽ ግጭትን
ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተኻየደ መበል ሻውዓይ ሃገራዊ መረጻ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብዝሓ ድምጺ ባይቶ ዓቂቡ ኣብቲ መረጻ ከም ዝተዓወተ ብወግዒ ተገሊጹ።
ክታበት መንሽሮ ኣፍደገ-ማህጸን ንመን'ዩ ዝውሃብ? ንኹሉኸ ከበጽሕ ድዩ?
ተመራመርቲ ክታበት ኤችፒቪ ንመንሽሮ ክሳድ ማህጸን ብ90 ሚኢታዊት ከጉድሎ ከምዝኽእል'ዮም ዝሕብሩ ዘለዉ። መንሽሮ ክሳድ ማህጸን፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ራብዓይ ብብዝሒ ዝርአ ዓይነት መንሽሮ ዀይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከኣ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰብ ይቐትል።
ሰንደቕ ምስልምና ኤርትራ ዓቢ መስጊድ ኣስመራ
ብዘመን መግዛእቲ ጣልያን፡ ምምሕዳር እቲ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ንግድታት ተዋፊሮም ንዝነበሩን ደቀባት ነበርቲ ኣስመራ ኣስላም ኣኪቡ ገንዘብ ንከዋጽኡ ብምድራኽ ነታ ኣረጊት መስጊድ ብዘመናዊ ኣገባብ ንከሐድሱ ከም ዘተባብዖም፡ ኣብ ምርምርን ምምህርናን ዝነጥፉ ስነ-ማሕበረ-ሰበኛ ሶሽዮሎጂስት ዶክ. ዓብዱልቃደር ሳልሕ መሓመድ ይገልጹ።
ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን እንታይ ዝሓዘ እዩ?
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋት ዝዓለመ ስምምዕ፡ ኣብ ፈረንሳ፡ ኣብ ኤቭያን-ለ-በን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጕጅለ-7 እናተሳተፈ ከሎ ብወግዒ ፈሪምዎ።
ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሰግሩ ተጨውዮም ኵሊቶም ከም ዝውሰድ ዝተፈራርሑ 300 ስደተኛታት
ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምስጋር ይፍትኑ ዝነበሩ 300 ስደተኛታት ተጨውዮም፣ ስቅያት ከም ዝተፈፀሞምን ክፋላት ሰብነቶም ብኣስገዳድ ተነቒሉ ከም ዝውሰድ ምፍርራሕ ከም ዝበፅሖምን ቢቢሲ መርትዖ ረኺቡ።
ኣብረርቲ ሄሊፕተር ንምድሓን ኣብ ጥቕሚ ብዛዕባ ዝወዓላ ድሮናት ባሕሪ እንታይ ትፈልጡ?
ብመሰረት ሓበሬታ ወተሃደራዊ ትካል ኣመሪካ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዖማን ዝወደቐት ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ንዝነበሩ ክልተ ኣብረርቲ ንምድሓን ናይ ባሕሪ ድሮን ኣዋፊሮም ኣለዉ።
ኢራንን ኣመሪካን ምቍራጽ ተዅሲ ክዕቅባ ዝኸበደሉ 4 ምኽንያታት
እቲ ኣብ ምያዝያ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምጥንኻር ስለምንታይ እዩ ክሳብ ክንድዚ ኣጸጋሚ ኰይኑ፧ ብመሰረት መግለጺን ትንተናን ክኢላታት፡ ኣርባዕተ ምኽንያታት ቀሪቡ'ሎ፤
ረቂቕ ኣዋጅ ትግራይ፡ ብሞት ዘቕፅዑ ዓንቀፃቱን ዝፈጠሮ ስክፍታን
እቲ 44 ገፅ ዘለዎን ኣብ ሽድሽተ ምዕራፍ ዝተወደበን ረቂቕ ኣዋጅ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘይተለምዱን ካብቲ ስሩዕ ክልላዊ ኰነ ሃገራዊ ሕገ-መንግስቲ ወፃኢ ትርጓመታት ዝወሃቦም ገለ ድንጋታት ዝሓዘን ኰይኑ ይርአ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ኤርትራ ንመግለጺ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያን ጌታቸው ረዳን ዝሃበቶ ምላሽ
ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ምስ ጌታቸው ረዳ ተላፊኑ ኣብ ኣልጀዚራ ንዘውጽኦ ጽሑፍ፡ "ትያትራውን ፈጠራውን" ክስታት ብምባል ሓቅነት ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ናይ 'ጽምዶ' ሓይልታትን መረጻን ዝሃቦ ሓድሽ መግለጺ
እቲ ውጽኢቱ ገና ዘይተገልጸ ሃገራዊ ምርጫ ሰፊሕ ከባቢታት ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን፡ ከምኡ'ውን ክልል ትግራይ ብዓቢዩን ዘይተሳተፍዎ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ መስርሕ፡ ካብ 10,400 ንላዕሊ ን42 ፖለቲካውያን ሰልፍታት ወኪሎም፡ 80 ድማ ብውልቆም ዝተሳተፉ ሕጹያት ንሃገራውን ክልላዊ ባይቶታትን ከም ዝተወዳደሩ'ውን ጠቒሱ'ሎ።
'ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ግብጻዊ ሚኒስተር
ዓቢ ጕጅለ ልኡኽ መሪሑ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ር በድር ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ስፍሕ ዝበለ ቃለመሕትት ኣካይዱ። በድር ዓብደልዓጢ ከም ዝበሎ፡ ዝምድና ግብጽን ኤርትራን "ዓቢ ዓይነታዊ ገስጋስ" ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ዝተቖረሰት ትግራይ ኣብ ሃገራዊ መረጻ ክትሳተፍ ኣይትኽእልን- ዶ/ር ደብረጽዮን
ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ልዕሊ 45% ከባቢታት እታ ክልል "ኣብቲ ትሕቲ ወራር" ከምዘሎ ብምግላጽ "ዝተቖርሰት ትግራይ እያ" ዘላ ክብል ተዛሪቡ።
ፖለቲካዊ ቅልውላው ትግራይ፡ ክልተ ፕረዚደንት ክልተ ካቢኔ?
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ "ብሓይሊ" ዝተኻየደ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ "ኣኼባ ካቢኔ" ኮኒኑ። ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ንክልል ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣእትዩዋ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ 'ጽዩፍ' ተግባር ወተሃደር እስራኤል
እቲ ተግባር ኣብ ሓንቲ ደብል ዝተባህለት ክርስትያን ብብዝሒ ዝነብሩላ ቍሸት ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካልእ ወተሃደር እውን ንሓወልቲ የሱስ ክርስቶስ ብገጹ ብምድፋእ ብሞዶሻ ክሃርሞ እንከሎ ተራእዩ ነይሩ።
ትራምፕ፡'14 ነጥብታት' ኣብ ዘለወሉ ኲናት ኢራን 'ብቕልጡፍ ከም ዘብቅዕ ኣተንቢሁ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ብቕልጡፍ ክውዳእ" ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።
ህወሓት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲታት ምላሽ ሂቡ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሓይልታት ሱዳን ንዕጡቓት ህወሓት ናይ "ኣጽዋርን ገንዘብን ደገፍ" ከምዝሃበ ብምኽሳስ፡ ምዕራባዊ ዶባት ኢትዮጵያ ከምዝተጣሕሰን ትዕግስቲ ክገብሩ ከምዝመረጹን የመልክት።
ዝምድና ዋሽንግተን-ኣስመራ፡ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ እንታይ ይብል?
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ዛዕባ ተበግሶታት ምልዓል እገዳን ምምሕያሽ ዝምድናን ኤርትራን ኣመሪካን ኣመልኪቱ ዝወሃብ ዘሎ ርእይቶታት ምላሽ ሂቡሉ።
መቐለ፡ ጀነራል ታደሰ ንውሳነ ህወሓት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ
ማእከላይ ኰሚቴ ህወሓት፡ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመስረተን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎን፡ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ፈሪሱ በቲ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝተገብረ በይናዊ መረጻ ዝቖመ ክለላዊ መንግስቲ ክትካእ እዩ ወሲኑ።
ሳይንስን ጥዕናን
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://proxy.086236.xyz/https%3A%2F%2Fichef.bbci.co.uk%2Face%2Fws%2F240%2Fcpsprodpb%2F2266%2Flive%2Fc9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://proxy.086236.xyz/https%3A%2F%2Fichef.bbci.co.uk%2Face%2Fws%2F240%2Fcpsprodpb%2F1ffe%2Flive%2Fbf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)





























































